ኵላቶም ተመሃሮ ኣብ ኮሙናዊ ቤት ትምህርቲ ቦታ ይረኽቡ’ዮም፤ ኪመርጹ ግን መሰል ኣሎዎም።
ኣብዚ ኮሙን ዚቕመጡ ኵላቶም ቈልዑ፡ ኣብ ናይዚ ኮሙን ናይ ምደባ ከባቢ ይጥርነፉ፤ እዚ ማለት ከኣ፡ ቈልዑ ኣብ ጥቓቲ ዚቕመጡሉ ቦታ ዚርከብ መዋእለ-ህጻናትን ቤት ትምህርቲ መባእታን ቦታ ይረኽቡ ማለት’ዩ።
ኵላቶም ከኣ፡ ወይ ካልእ ኮሙናዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ብሕታዊ ቤት ትምህርቲ ኪመርጹ ኣኽእሎ ኣሎዎም ማለት’ዩ። እቶም ኣብ ሓደ ኮሙናዊ ምደባ ዚርከቡ ቈልዑ ኵሉሳዕ ቀዳምነት ይወሃቦም።
ቤት ትምህቲ ምቕያር
ንደቅኻ ቤት ትምህርቲ ክትቅይር ሓሳብ እንተሎካ፡ ፈለማ ኣብቲ ደቅኻ ዚመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ዳይረክተር ኣዘራርብ፤ ብድሕርኡ ምስቲ ዳይረክተር ናይቲ ደቅኻ ኪጅምሩሉ እትደልዮ ቤት ትምህርቲ ተዘራርብ። ነቶም ኣብቲ ንቡር ናይ ምደባ ከባቢ ዘይጥርነፉ ተመሃሮ ዚኸውን ቦታ ዘሎን ዘየሎን ኣብቲ ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ዳይረክተር ገምጋም ይገብር። ነቲ ዝተመደበሉ ቤት ትምህርቲ ገዲፉ ካልእ ቤት ትምህርቲ ዚመርጽ፡ ኣብ ወጻእታት መጓዓዝያ ቤት ትምህቲ ኮሙን ኪሕግዘኒ’ዩ ዚብል ትጽቢት ኣይሃልዎ። ሕቶ ቅያር ቤት ትምህርቲ ወይ እትደልዮ ቤት ትምህርቲ ብኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ኤ-ሻንስት ተጠቒምካ ኢኻ ትሓትት፤ ሓባር መንገዲ (ሌንክ) ብወገን የማን ኣሎ።
ኣዚሎ
ንደቂ ሽዱሽተ ዓመት ዚኸውን ኣዚሎ ክፍሊ ኣብ ኵላተን ኣብያተ ትምህርቲ መባእታ’ሎ። ቈልዑ፡ ናብ መደበኛ ቤት ትምህርቲ መባእታ ዘሰጋግሮም ስነ-ትምህርታዊ ምቅርራብ ኣብዚ ይገብሩ። እዚ ዓይነት ደረጃ ትምህርቲ ወለንታዊ ኮይኑ፡ ብኮሙን ወይ ብብሕቲ ይካየድ። ቈልዑ ኣብቲ ዚቕመጡሉ ቦታ ዘሎ ናይ ምደባ ከባቢ ይምደቡ።
መጓዓዝያ ቤት ትምህርትን ትርፊ-ግዜን (ፍሪቲድስ)
ኮሙን ንዝመደበልካ ቤት ትምህርቲ ትቕበል እንተ ኾይንካ፡ በቲ ኮሙን ዚውስኖ ኣገባብ ንመጓዓዝያ ቤት ትምህርቲ መሰል ኣሎካ። ነቲ ዝተመደበልካ ቤት ትምህርቲ ገዲፍካ ካልእ እንተ መሪጽካ፡ ወይ ናይ ካልእ ኮሙን ወይ ብሕታዊ ቤት ትምህርቲ እንተ መሪጽካ እቲ መሰል ንዓኻ ኣይምልከትን’ዩ። እዚ ኮሙን፡ ነቶም ኣብ ካልእ ኮሙን ቤት ትምህርቲ መባእታ ዚመርጹ፡ ወይ ብሕታዊ ቤት ትምህርቲ ዚመርጹ፡ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ቈልዓ ኪህቦም ግዴታ የብሉን።
Contact
Kom in customer service
Tel. 0612-800 00
ኣድራሻ ምብጻሕ
Torggatan 2
872 80 Kramfors
ኣድራሻ ቡስጣ
Kramfors kommun
872 80 Kramfors
E-mail
kommun@kramfors.se
Vi bryr oss. Om dig, varandra och alla andra. Det är med stolthet vi berättar om den vackraste av platser som formats av älven, havet, skogen, kulturen, världsarvet Höga kusten och skiftande epoker. Kramfors kommun blickar framåt, mot en framtid där vi fortsätter att generöst säga hej och välkommen hem till oss.
Kramfors kommun, 872 80 KRAMFORS
Telefon: 0612-800 00
E-post: kommun@kramfors.se
Organisationsnummer: 212000-2429
km är Högakustenleden
svenska världsarv finns i Kramfors
mm per år är landhöjningen i Höga kusten
meter är spännvidden mellan Högakustenbrons pyloner
Vi använder cookies för att förbättra din upplevelse på hemsidan. Genom att fortsätta godkänner du vår
användning av cookies.