Kramfors logotyp
Placeholder

ጎነጽን ራዕድን ኣብ ክሊ ስድራ

ኣብ ክሊ ዝምድናታት ዝፍጸም ጎነጽ፡ ገበን ጥራይ ዘይኮነ፡ ማሕበራዊ፡ ጥዕናውን ማዕርነታውን ጸገም እዩ። ንኹሎም ኣካል ናይቲ ጸገም ዝኾኑ፡ ግዳያትን ህጻናትን ከምኡ ውን ዓማጺ ዝጸሉ ነገር እዩ። ይኹን እምበር ክግበረልካ ዝኽእል ሓገዝ ኣሎ እዩ። ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ ነቶም ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝኾኑ ሰባት ምሕጋዝ ከምስርሑ ዝርእዮ ጉዳይ እዩ።

  • ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ ኴንካ ዲኻ?
  • ፍርሒ ወይ ውን ራዕዲ ይስመዓካ ድዩ?
  • ግዳይ ቊጽጽርን ተነጽሎን ዝኾንካ ኮይኑ ይስመዓካ ድዩ?
  • ግዳይ ማህረምቲ ኴንካ ትፈልጥ ዲኻ?
  • ብሓይሊ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ተገዲድካ ትፈልጥ ዲኻ?

ፍርሒ ወይ ውን ራዕዲ ምስዝስመዓካ፡ ወይ ውን ብመቕርብካ ግዳይ ማህረምቲ ኴንካ ምስእትፈልጥ፡ ክግበረልካ ዝኽእል ሓገዝ ኣሎ እዩ። እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከምዝግበረልካ ንምፍላጥ፡ ናብ መቐበሊ ማእከል ክትከይድ ወይ ውን ምስ ማሕበራዊ-ሰክረታረ ክትሓትት ትኽእል። እቲ ዝግበረልካ ሓገዝ፡ ዝርርባዊ፡ ውሕስነታዊ-ውጠና ከምኡ ውን ኣብ ውሑስ መዕቆቢ ከምእትውሰድ ምግባር ዘካተተ ክኸውን ይኽእል። ሓገዝ ሕተት! ደዊልካ ሓገዝ ክትረኽበሉ እትኽእል ብርክት ዝበለ ቦታታት ኣሎ።

እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከምዝግበረልካ ንምፍላጥ፡ ናብ መቐበሊ ማእከል ክትከይድ ወይ ውን ምስ ማሕበራዊ-ሰክረታረ ክትሓትት ትኽእል። 0612-800 00 ኣብ ህጹጽ ኲነታት ከኣ ናብ ፖሊስ ናብ 112 ወይ 11414 ደውል

ሓገዝ ክትረኽበሎም እትኽእል ካልኦት ገጻት፡

ሆቢቲኪው ኹረን External link.

ቦርናሁስ ኢ ቬስተርኖርላንድ External link.

ኣብ ክሊ ዜቤታዊ ዝምድናታት ዘጋጥም ገበናትን ፖሊስን External link.

ክቪኖፍሪድስሊንየን External link.

ኣድራሻ

ክፍሊ ኣገልግሎት ዓማዊል
0612-800 00

ኣድራሻና ክትበጽሑና ምስእትደልዩ
Torggatan 2

ቊጽሪ ሳጹን-ፖስጣ
ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ
872 80 ክራምፎሽ

kommun@kramfors.se

Uppdaterad:

Innehåll på sidan

Cookies

Vi använder cookies för att förbättra din upplevelse på hemsidan. Genom att fortsätta godkänner du vår
användning av cookies.