ብዛዕባ ክራምፎሽ ኮሙን

ክራምፎሽ ኮሙን፡ ምጩው ናብራ ንእሽቶ ከተማን ደስ ዘብል ገጠርን ኣሎዎ፤ ኣብዚ፡ ወይ ኣብ ከተማ ወይ ኣብ ገጠር ክትቅመጥ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኮሙን፡ ጥቓ ገምገም ባሕሪ፡ ጫካ፡ ጎቦታት፡ ቀላያትን ኮይኑ፡ ጽቡቕ ኣቀማምጣ ኣሎዎ። ከም ውርሻ ዓለም ዚፍለጥ ሆጋ ኩስተን፡ በቲ ፍሉይ ትሕዝቶ ስነ-ፍጥረቱ፡ዓመት-ዓመት ብኣሽሓት ዚቚጸሩ በጻሕቲ ካብ መላእ ዓለም ይስሕብ።

ኣወንታዊ ምዕባለ

ኣብዚ ዝሓለፈ ግዜ ሕመረት ከተማ ኣዝዩ ምዕባለ’ዩ። ብ2013 ብዙሓት ድኳናት ዝጠርነፈ ጋለርያ ክሪስቶፈር ተመሪቑ። መዓልታዊ ስቤዛ ኣብ ከባቢኻ ምግባር ቀሊል’ዩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ማእከል ከተማ ዓበይቲ ድኳናት መግቢ ኣሎዉና። በዚ ሓድሽ ተሰሪሑ ዘሎ ረሰሴንትሩም፡ ቤት ትምህቲ ስካርፕኦክስስኩላንን ማእከል ስፖርት ክራምፎሽ ኢፐን ሕጕሳት ኢና።

ብዙሓት ንኣሽቱ ዓድታት

ብዘይካ ክራምፎሽ፡ ኣብዚ ኮሙን 12 ዝኾና ዓድታት ኣለዋ። ኡልኦንገር፡ ንይላንድን ቦልስታብሩክን ዚምስገን ኣገልግሎት ኣሎወን፤ ኣብዚ ኮሙን ዘለዋ ሓያለ ንእስ ዝበላ ዓድታት ከኣ፡ ድኳናት መግብን ኣብያተ መግብን ኣለዋ።

ሃብታም ማሕበራዊ ናብራ

ኣብዚ ኮሙን፡ ካብ ጕጅለ መዝሙር ጀሚርካ ክሳዕ ስፖርት፡ ባህልን ምግፋፍ ዓሳን ዝንጥፈታተን 300 ዝኾና ማሕበራት ኣለዋ። ብዙሓት ኣዳራሻት ሓምበሳ፡ ኣዳራሻት ስፖርትን ክልተ ኣዳራሻት ቦውሊንን ኣሎዉና።

ክፋል ውርሻ ዓለም ዝኾነ ሆጋ ኩስተን

ሆጋ ኩስተን ብ2000 ከም ክፋል ውርሻ ዓለም ብዩኔስኮ ተሰይሙ። እቲ ስያመ ውርሻ ዓለም መሰረቱ እቲ ካብ ዘመነ-በረድ ኣትሒዙ ዝተኸስተ ዓብይን ቅልጡፍን ዝኾነ ምብራኽ መሬት’ዩ።

እቲ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ምብራኽ መሬት፡ ማለት 286 ሜትሮ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ጫፍ ጎቦ ስኩለ ይርከብ። እቲ ናብ ሆጋ ኩስተን ከይዱ ዚበጽሕ ሰብ፡ ኣብ ሓደ ድሩት ቦታ፡ እቲ ምብራኽ መሬት ዝገደፎ ስምብራት ኪርኢ ኣብቲ ገጽ መሬት ተሳኢሉ ኪርእዮ ይኽእል። ንኣብነት ከም ኩርባታት፡ ፍንጫላት ኣእማንን ዝተነጸለ ወሽመጥ ቀላይን።

ባህሊ ኢንዱስትሪ ኦዳለን

ኦዳለን፡ ካብ ድልድል ሳንድኦ ክሳዕ ላዕሊ ሶለፍተዮ ኮሙን ሰንጢቑ ማዕረ-ማዕረ ውሕጅ ኦንገርማን ይዝርጋሕ። ኦዳለን፡ ሓያል ባህሊ ኢንዱስትሪ ኣሎዎ፤ ኣብዚ ኸኣ’ዩ ብ1931 ሽወደናዊ ታሪኽ ፖሊቲካ ዘይርሳዕ ናይ ግዜ ስምብራት ገዲፉ።

ኣብኡ እቲ “ኦዳለን 31” ተባሂሉ ዚፍለጥ ፍጻመ ተኸሲቱ፤ ሽዑ’ዮም ሓሙሽተ ሰባት ብወተሃደር ሽወደን ዝተቐትሉሉ ትራጀዲ ኣጋጢሙ። ድሕረባይታ ናይቲ ፍጻመ፡ ሰራሕተኛታት ቤት ዕዮ ዕንጸይትን ፈርሲ ገረብን፡ ደሞዞም ኪውስኽ ኣድማ ዝገበሩሉ ኣጋጣሚ’ዩ ኔሩ።

ሎሚ ዘሎ ንጥፈት ንግዲ

ኣብ ክራምፎሽ ዝተፈላለያ ብዙሓት ትካላት ኣለዋ፤ ኣብዚ ኸባቢ ንንጥፈት ንግዲ ንነዊሕ እዋን ከም መሰረቱ ኮይኖም ዘገልገሉ ግን ቤት ዕዮ ዕንጸይትን ቤት ዕዮ ወረቐትን’ዮም። ናይ እዋንና ኣብ ክራምፎሽ ኮሙን ዘለዋ ዓበይቲ ኩባንያታት፡ ክሻ ወረቐት ዚሰርሓ ኩባንያ ሞንዲን ኩባንያ ድይነስ’የን። ሓደ ካልእ ዓቢይ ወሃብ-ስራሕ፡ ኣብ ምየሎም ዚርከብ ኩባንያ የርዲንስ’ዩ። እዚ ኩባንያ፡ ኣብ መስርሕ ምድላውን ምቚራጽን ሜታል ብትኽክልነት ንምዕያይ ዘድልዩ ተለዋወጥቲ ኣቚሑን ሲስተምን ዚሰርሕ’ዩ።

እቲ ኮሙን፡ ኣብ መካኒካውን ፋብሪካውን ዕዮ ዚነጥፋ ብዙሓት ንኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት ኣሎዎ። ካብ ትካላት ኣገልግሎት፡ ፎልክሳም እቲ ኣብ ቴለፎናዊ መሸጣ ዚነጥፍ ኣገዳሲ ተዋሳኢ’ዩ።

እቲ ዝዓበየ ወሃብ-ስራሕ፡ 1700 ሰራሕተኛታት ቈጺሩ ዘሎ ክራምፎሽ ኮሙን’ዩ።

Uppdaterad: Sidansvarig: Ann-Cathrin Granbäck

ኣሕጽር ኣቢልካ

ሓጸርቲ ጭብጥታት፡-

ተቐማጦ፡-
ኣብ መላእ ኮሙን ዚያዳ 18 000 ተቐማጦ ኣለዉ።
9000 ዝኾኑ ኣብ ማእከል ኮሙን ይቕመጡ።

ጆግራፊያዊ ንቚጣ፡-
ኣብ ኦንገርማንላንድ፡
ኣብ ኣውራጃ ቬስተርኖርላንድ ይርከብ።

ዝተመስረተሉ ግዜ፡-
እቲ ኮሙን ብ1974 ተመስሪቱ።
ክራምፎሽ ብ1947 ፍሉይ መሰል ከተማ ተዋሂባ።

ስፍሓት፡-
1907 ትርብዒት ኪ.ሜ.

ርሕቀት፡-
ስቶክሆልም 470 ኪ.ሜ.
ሱንድስቫል 94 ኪ.ሜ.
ሄርኖሳንድ43 ኪ.ሜ.
ኦርንስሾልድስቪክ 98 ኪ.ሜ.
ኡመዮ 194 ኪ.ሜ.
ሶለፍተዮ 41 ኪ.ሜ.

መራኸብታት፡-
ቦትንያባናን፡ ኤ4፡ ጽርግያ 90 ነዚ ኮሙን ሰንጢቖም ይሓልፉ። ማኪና፡ ኣውቶቡስንባቡርን ምጥቃም ይከኣል’ዩ።
መዕርፎ ነፈርቲ ሆጋ ኩስተን፡ ኣገልግሎት ዕለታዊ በረራ ይህብ።