ሃየ ርኸበና

ናብ ክፍሊ ተገልገልቲ ኮም ኢን (Kom in kundtjänst) ብደሓን ምጻእ

ናብ ኮሙን ክትድውል ወይ ምብጻሕ ክትገብር እንተ ደሊኻ፡ እቲ ፈለማ ርክብ ትገብረሉ “ክፍሊ ተገልገልቲ ኮም ኢን” እዩ።

እዚ ክፍሊ ተገልገልቲ ብሓበርቲ መንገዲ ማሕበረሰብ ይካየድ። ንጕዳይካ ተቐቢልና፡ ናብቲ ዚምልከቶ ሰብ ወይ ኣሃዱ ንመርሓካ። ኵላቶም ኣብ ክፍሊ ተገልገልቲ “ኮም ኢን” ዚሰርሑ ዘበሉ ግቡእ ስትረት ኣሎዎም።

ሰዓታት ስራሕ ክፍሊ ተገልገልቲ

መዓልቲ ስራሕ በዓል እንተ ዘይውዒሉ፡ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ሰዓት 08.00-17.00
ቅድሚ በዓል መዓልቲ (ቀይሕ መዓልቲ)፡ ከምኡውን ቅድሚ ድሮ በዓል ዘሎ መዓልቲ ሰዓት 08.00-12.00 ንሰርሕ ኢና።

ኣድራሻታት ምብጻሕ

ክፍሊ ተገልገልቲ “ኮም ኢን” (Kom in kundtjänst)፡ መሪሕነት ኮሙን (kommunledning)፡ ክፍሊ ደገፍን ክንክንን (stöd och omsorg)፡ ክፍሊ ምምሕዳር ቈልዓን ትምህርትን (barn och utbildning) ከምኡ’ውን ክፍሊ ማሕበረሰብ (samhällsavdelningen) ኣብዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ይርከቡ፡-
Torggatan 2
872 30 Kramfors

ምምሕዳር ከባብን ህንጻን (Miljö- och byggförvaltningen) ከምኡውን ክፍሊ ቴክኒክ (tekniska avdelningen) ኣብዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ይርከቡ፡-
Ringvägen 34
872 31 Kramfors

ኣድራሻ ቡስጣ

Kramfors kommun
872 80 Kramfors

ቍጽሪ ትካል ኮሙን (organisationsnummer)

212000-2429

ምይይጥ፡ ርእይቶን እማመን

ርእይቶ፡ ሓሳባት፡ ናእዳ ወይ እማመ ከተቕርብ እንተ ደሊኻ፡ ብቴለፎን፡ ብኢመይል ድሃይ ግበር፤ ብኣካል ብጽሓና ወይ ነዚ ኣብ ወገን የማን ዚረአ ሓባር መንገዲ (ሌንክ)፡ ዲያሎግ፡ ርእይቶን እማመን ዚብል ረአ።

ፖሊቲከኛታትን ኮሚቴታትን

ምስ ፖሊቲከኛታትን ኮሚቴታትን ርክብ ክትገብር እንተ ደሊኻ፡ ኣስማት ምሩጻት ኣባላት ዝሓዘ መዝገብና ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፤ ነዚ ኣብ ወገን የማን ገጽ ዚርከብ፡ “ምስ ፖሊቲከኛታትን ኮሚቴታትን ርክብ ምግባር” (Kontakta politiker och nämnder) ዚብል ተመልከት።

ኣድራሻ ፋክቱራ

Kramfors kommun
Ekonomienheten
872 80 Kramfors

ሓደ ፋክቱር ናይ ፋክቱር መወከሲ ክህልዎ ከም ዘለዎ ኣስተውዕሉ። እዚ ናይ ፋክቱር መወከሲ ኣርባዕተ ኣሃዛት ዝሓዘ ክኸውን ኣለዎን ኣብቲ ናይ ፋክቱር መወከሲ ወይ ኣብቲ ትእዛዝ ክግለጽ ኣለዎ። ኣብቲ ፋክቱር ኩሉ ግዜ ስም ናይቲ ጎይታ ክጽሓፍ ኣለዎ።

ቊጽሪ ባንክጂሮ ኮሙን 991-2791 እዩ።

Uppdaterad: Sidansvarig: Jeanette Rönnberg

Contact

Kom in customer service
Tel. 0612-800 00

ኣድራሻ ምብጻሕ
Torggatan 2
872 80 Kramfors

ኣድራሻ ቡስጣ
Kramfors kommun
872 80 Kramfors

E-mail
kommun@kramfors.se