ጋሻ ኣብ ሽወደን

ናብ ሽወደንን ክራምፎሽ ኮሙንን እንቋዕ ብደሓን መጻእካ! ናብዚ ስለምንታይን ብኸመይን መጺእካ ብዘየገድስ፡ ከም ዜጋን ከም ብጻይናን ብሓጐስ ሰላምታና ነቕርበልካ።

ክራምፎሽ ኮሙን፡ ምጩው ናብራ ንእሽቶ ከተማን፡ ደስ ዘብል ስነ ፍጥረትን የበርክት። ኣብዚ፡ ወይ ኣብ ገጠር ወይ ኣብ ከተማ ናይ ምቕማጥ ዕድል ኣሎካ። እዚ ኮሙን፡ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ፡ ጫካ፡ ጎቦታትን ቀላያትን ባሕርን ኮይኑ፡ ጽቡቕ ኣቀማምጣ ኣሎዎ። እዞም ኣብዚ ኮሙን ዘለና ኣስታት 19000 ተቐማጦ ኢና፤ ንስኻ ኸኣ ሓደ ካባና ኢኻ።

ዕማምና እንታይ’ዩ᎒

ክራምፎሽ ኮሙን፡ ኵሉ ናይ ጽልዋ ኣኽእሎ ኪህልዎ፡ ሓደስቲ ኣብቲ ሓድሽ ቦታ እግሪ ኪተኽሉ ማዕረ ዕድላት ንምሃብ፡ ሽወደንኛ ኪመሃሩ፡ ርእሶም ኪኽእሉን ካብ ንጥፈታትን ኣገልግሎትን ኮሙን ኪጥቀሙን ጻዕርታት የካይድ።

በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ምስ ቤ/ጽ መራኸብቲ ስራሕ (ኣርቤትስፎርመድሊን)፡ ምስ ምምሕዳር ኣውራጃ (ለንስቲረልሰን)፡ ቦርድ ሚግረሽንን ካልኦት ትካላትመንግስትን ንተሓባበር።

ካብ ካልእ ሃገር ምግዓዝ ብዝምልከት እንገብሮም ቀንዲ ዕማማትና ነዞም ዚስዕቡ ይርእዩ...

  • ኣብ እዋን ገዛ ምርካብ ጠቓሚ ምኽሪ ምሃብ
  • ኣገልግሎት ትምህርቲ ምሃብ፡ ንጥፈት መዋእለ-ህጻናት፡ ክንክን ቈልዓን ካልኦት ንቘልዑን መንእሰያትን ዚግበሩ ጻዕርታት
  • ትምህርቲ ሽወደንኛ ነባጽሕን፡ ንኻልእ ዓይነት ትምህርቲ ኣባጽሕ ዕድል ምሃብ
  • ዕድል ማሕበራዊ ልልይ ምሃብ
  • ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ጻዕርታት ምግባር
  • ኮሙናዊ ንጥፈትን ኣገልግሎትን ኣብ ጥቕሚ ሓደስቲ ዚመጹ ከምዚውዕል ምግባር

ተወሳኺ ሓበሬታ’ዶ ትደሊ᎒

ምስ ክፍሊ ተገልገልትና “ኮም ኢን” ርክብ ግበር! ኣብኡ፡ መልሲ ሕቶኻን ሓሳባትን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

Uppdaterad: Sidansvarig: Christina Brännmark

Contact

Kom in customer service
Tel. 0612-800 00

ኣድራሻ ምብጻሕ
Torggatan 2
872 80 Kramfors

ኣድራሻ ቡስጣ
Kramfors kommun
872 80 Kramfors

E-mail
kommun@kramfors.se