Placeholder

ኣረጋውያን

እቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ ዝወሃብ ኣገልግሎት ክንክን ንኣረጋውያን ነቶም ተገልገልቲ ዝኾኑ ኣረጋውያን፡ ርጉእን ነጻነት ዝመልኦን ህይወት ከሕልፉ ዘኽእሎም ሓገዛት ምብርካት ኣብ ዝብል ዝተሰረተ እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ እቶም ኣረጋውያን ክሳብ ዝተኻእለ መጠን፡ ዘድልዮም ሓገዝን ክንክንን እንዳተገብረሎም ኣብ መንበሪኦም ምንባር ክቕጽሉ ዝብል ነገር መሰረት ዝገበረ እዩ።

ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕንነትን - መርሓ ኣረጋውያን

ኣብቲ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ዘዳለዎ መርሓ-ኣረጋውያን ብምእታው፡ መንበሪ-ኣረጋውያን፡ ንሓጺር ግዜ እትጸንሓሉ መንበሪ፡ ድጋፍ መዓልታዊ ህይወት ኣብ ገዛን ማእከላት መዓልታዊ ንጥፈታትን ከተወዳድር ትኽእል። ብዜካ`ዚ፡ ዝተፈላለዩ መንበሪታት ከተወዳድርን ንኲነታት ናይተን መንበሪ ብዝምልከት ስእሊ ከተጥሪ ውን ትኽእል።

ንኣረጋውያን ዝምልከት ኣብ ገዛ ክግበረለይ ዝኽእል ሓገዝን ካልእ ክንክናዊ ኣገልግሎታትን ንኽግበረለይ ኣበይ ከመልክት ይኽእል?

ነቶም ከምዚ ዓይነት ድጋፋት ዝፈቕዱ ተሓዝቲ ጒዳያት ብቊጽሪ-ስልኪ 0612-800 00 ብምድዋል ክትጅምር ትኽእል። ብድሕሪ`ዚ እንታይ ዓይነት ድጋፍ ክግበረልካ ከምዝኽእል ክምርምሩ ይኽእሉ።

ባዕልኻ ብመገዲ ኢንተርነት ከተመልክት ምስእትደሊ፡ ኣብቲ ባዕልኻ ከተመልክተሉ እትኽእል ገጻት ምምሕዳር ከተማ ምእታው የድልየካ። External link.

ድጋፍ መሳርሒታት የድልየካ ድዩ?

ከምዚ ከምዘድልየካን ዘየድልየካን ዝመሚ፡ ዝፍትንን ዝውስንን፡ ሞያዊ-ፈዋሲ፡ ፊዝዮተራፐኛ፡ ኣብ ገለ-ገለ እዋናት ወረዳዊ ኣላዪ-ሕሙማት እዩ። ገለ-ገለ ድጋፍ ዝኸውን መሳርሒታት ኣብ ፍሉይ ክሊኒክ`ዩ ዝውሰነልካ።

ዕድመ ብዘየገድስ ኣብ ገዛ ትነብር ምስእትኸውን

ብቐዳምነት ምስቲ ኣብ እትግልገለሉ ማእከል-ጥዕና ዝርከብ ሞያዊ-ፈዋሲ፡ ፊዝዮተራፐኛ ወይ ውን ወረዳዊ ኣላዪ-ሕሙማት ተራኺብካ ክትዘራረብ ኣለካ።

ኣድራሻዊ ሓበሬታ ናይተን ማእከላት-ጥዕና ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ይርከብ።

ክራምፎሽ External link.

Bruksgatan 12-14, Kramfors

Telefon 0612-860 42

ዞባ ሆጋ ኩስተን External link.

Vårdhemsvägen 2, Ullånger

Telefon 0613-71 11 01

ኒላንድ External link.

Biskopsgatan 1, Nyland

Telefon 0612-77 15 35

ኣብ ፍሉይ መንበሪ ወይ ውን ሓባራዊ-መንበሪ ትቕመጥ ምስእትኸውን

ብቐዳምነት ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ማእከል ቤታዊ ክንክን ጥዕና ዝርከብ ሞያዊ-ፈዋሲ፡ ፊዝዮተራፐኛ ወይ ውን ወረዳዊ ኣላዪ-ሕሙማት ተራኺብካ ክትዘራረብ ኣለካ።

  • ዞባ ሆጋ ኩስተን
  • ዞባ ክራምፎስ
  • ዞባ ቦልልስታ፡ ኒላንድ

ሕቶታት ምስዝህልወካ፡ ምስ ማእከል መሳርሒታት ዞባ ቬስተር-ኖርላንድ ብቚጽሪ-ስልኪ 060-14 96 10 ደዊልካ ክትዘራረብ ወይ ውን ናብ ማእከል መከፋፈሊ ተለፎናት ምምሕዳር ከተማ ክትድውል ትኽእል። መከፋፈሊ ቊጽሪ ኣብ ትሕቲ`ቲ መወከሲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብዚ ገጽ ሰፊሩ ኣሎ።

ምስ ምርኣይን ምስማዕን ዝተተሓሓዘ መሳርሒታት ዘድልየካ ምስዝኸውን

ነዚ ምስ ምስማዕን ምርኣይን ዝተተሓሓዘ ሓጋዚ መሳርሒታት ብዝምልከት ሓላፍነት ዝተሰከመ ወገን ዞባ ቬስተርኖርላንድ እዩ። ብመከፋፈሊ ቊጽሪ-ስልኪ 0611-800 00 ደዊልካ ከተዘራርቦም ትኽእል።

ምምችቻእ ኲነታት መንበሪ-ገዛ

ኣብ መንበሪ-ገዛ ክግበር ንዝኽእል ምምችቻእ ዝወሃብ ሓገዝ ኣሎ። እዚ፡ ብምምሕዳር ከተማ ዝወሃብ ሓገዝ ኮይኑ ነቶም ነባሪ ወይ ውን ነዊሕ ዝኸደ ምግደራ ዘለዎም ሰባት ዝወሃብ ሓገዝ እዩ።

ምምልካት

ምምሕዳር ከተማ ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ይግበኣ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምንጻር፡ ነቲ ናይ መጠየቕታ ፎርም መሊእካ ምእታው የድልየካ። ከተመልክት ምስእትደሊ፡ ክልተ ኣማራጺታት ኣለካ። ብመገዲ ኢንተርነት ኦንላይን ወይ ውን ፎርም ብምምላእ ከተመልክት ትኽእል። እቲ ፎርም ኣብቲ ተመሳሳሊ ጉዳያት ዝብል ኣብቲ ገጽ ዘሎ ጥብቆታት ክትረኽቦ ትኽእል። External link.

ምስክርነት ወረቐት

ምስቲ መጠየቕታ ሞያዊ-ፈዋሲ፡ ፊዝዮተራፐኛ፡ ሓኪም ወይ ውን ክኢላ ዝጸሓፎ መስክርነት ወረቐት ከተሰኒ ከድልየካ እዩ። እቲ ምስክርነት ምግደራ መሰረት ብምግባር እቲ ሓገዝ ዝሕተተሉ ዘሎ ናይ ምምችቻእ ጠለባት ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሕብር ክኸውን ኣለዎ።

ቀንዲ ተወካሊ ጉዳያት ሓገዝ ምምችቻእ ኣብ መንበሪ-ገዛ

Sanna Torsbrink

0612-80048

kommun@kramfors.se

Uppdaterad: Sidansvarig: Lena Björn

ኣድራሻ

ክፍሊ ኣገልግሎት ዓማዊል
0612-800 00

ኣድራሻና ክትበጽሑና ምስእትደልዩ
Torggatan 2

ቊጽሪ ሳጹን-ፖስጣ
ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ
872 80 ክራምፎሽ

kommun@kramfors.se