Placeholder

ቅልውላውን ድሕንነትን

ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ ኩሎም`ቶም ኣብቲ ከተማ ዝነብሩን ዝሰርሑን ወይ ውን ናብኡ ዝዛወሩን ሰባት ውሕስነቶም ዝተረጋገጸ ክኸውን ብዕላማ ዝሰርሓሉ ጉዳይ እዩ።

ግዳማውን ውሽጣውን ጒድኣታት ዝገትእ ሰናይን ውሑስን ዝኾነ ሃዋህው ኢና ክነዋድድ እንደሊ።

እቲ ሰናይ ድልየት ከምዚ እንዳሃለወ ግን፡ ሓደገኛ ዝኾነ ነገራት ክፍጠር ይኽእል እዩ። ተዳሊኻ ምጽናሕ ከኣ ጽቡቕ እዩ። ንኣብነት፡ ኤለክትሪክ ከቋርጽ ከምዝኽእል።

ኣብ ገዛ ክህልዉኻ ዝግባእ ኣገደስቲ ነገራት

ሽምዓ፡ ቫልቮላ፡ ላምባዲናን ምስ ተወሳኺ ቅያር ባተሪያ፡ መትሓዚ ማይ ዝኸውን ጀሪካን፡ ከኒና ቃንዛ፡ ፕላስተር ከምኡ ውን ሬድዮን ባተርያን።

ተወሳኺ መሞቚ፡ መደቀሲ-መሸማዕ፡ ኮቦርታ፡ ምዉቕ ረጒድ ኪዳን፡ ክሽነ ካምፒን ከምኡ ውን ኣብ ታኒካታት ዝተዓሸገ መግቢ ወይ ውን መኺኹ ዝደረቐ መግቢ።

ን 72 ሰዓታት ከጽንሓካ ዝኽእል ነገራት ከምዝህልወካ ግበር።

ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕን

ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ ተሻራኺ ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕን ሆጋ-ኩስተን ኦዳለን እዩ። እዚ ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕን ንከተማታት ሃርኖሳንድ፡ ክራምፎሽ ከምኡ ውን ሱለፍትዮ ዘጠቓልል እዩ።

Två signalhorn, Hesa Fredrik

ኣራርመ ሄሳ ፍሬድሪክ

ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ፡ ኩሉ ግዜ ሰኑይ መዓልቲ ሰዓት 15.00 ብዙሓት ሰባት ኣብ ሽወደን ጥሩምባ ዝጥዕም ድምጺ ኣራርመ ይሰምዑ። እዚ ሄሳ ፍሬድሪክ ዝተሰምየ ኣራርመ ኣብ መላእ ሽወደን ይሰርሕ ምህላዉ ይፍተን።

ኣብ ሽወደን ኣብ ግዳም ዝደሃይ ካብ ኣስታት 4500 ክላክ ዝጥዕም ድምጺ ዝገብር ኣራርመ ኣለና። እዚ ኣራርማ ኣብ ናሕሲ-ኣባይቲ ወይ ውን ኣብ ካልእ ልዕል ዝበለ ቦታ ዝተተኽለ እዩ።

እዚ ኣራርመ ኣርባዕተ ዝተፈላለየ ዓይነት ድምጺ ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ኣራርመ ይሰርሕ ምህላዉ ንምርግጋጽ ዝግበር ፈተነ ግን ንኽልተ ድምጺታት መሰረት ዝገበረ እዩ። እቲ መጀመርያ ዝፍተን እቲ ``ኣገዳሲ መልእኽቲ`` ዝብል ድምጺ እዩ። ብድሕሪ`ዚ ኸኣ ``እቲ ንሓደጋ ዝዕድም ነገር ኣኽቲሙ ኣሎ`` ዝብል ድምጺ ይፍተን።

እቲ ናይ ምፍታን መስርሕ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይካየድ

መጀመርያ እቲ ምልክት ብዘይምቊራጽ ን 7 ካልኢት የድምጽ። ብድሕሪ`ዚ ን 14 ካልኢት ዝኸውን ግዜ ኲነታት ጸጥ ይብል። እቲ ናይ ምፍታን መስርሕ ብውሑዱ ን 2 ደቓይቕ ይቕጽል። ሰዓት 15.05 ምስኮነ ኸኣ ‘’እቲ ንሓደጋ ዝዕድም ነገር ኣኽቲሙ ኣሎ`` ዝብል ድምጺ ይስማዕ። እዚ ምልክት`ዚ ኸኣ ዘየቋርጽ ን 30 ካልኢት ዝጸንሕ ድምጺ እዩ።

እቲ ዝኸይድ ዘሎ ነገር ንፈተነ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ብኸመይ ትፈልጦ?

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ኣራርመ ይሰርሕ ምህላዉ ንምርግጋጽ ዝካየድ ፈተነ፡ ካብቲ ጸገም ከጋጥም እንከሎ እንጥቀመሉ ኣራርመ ፍልይ ዝበለ ድምጺ ኣለዎ።

መንግስቲ ንኲናት ዝዕድም ኲነታት ተጋሂዱ ምህላዉ ክሕብር ምስዝደሊ ወይ ውን ሃገር ኣብ ኲናት ኣትያ ምህላዋ ክሕብር ምስዝደሊ፡ ናይ ተዳሎ ኣራርመ ይጥቀም። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኲነታት 30 ደቒቕ ዝንውሓቱ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ይመሓላለፍ። ብድሕሪ`ዚ ን 15 ካልኢት እቲ ድምጺ ጸጥ ይብል። እዚ ኸኣ፡ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ዝኸውን ግዜ ይደጋገም።

ክፍሊ ወተሃደራዊ ምክልኻል ንመጥቃዕቲ-ኣየር ክንቃላዕ ስግኣታት ኣሎ ኢሉ ምስዝግምት፡ ኣራርመ-ኣየር ዝሕብር ድምጺ ይለኣኽ። ኣራርመ-ኣየር ንሓደ ደቒቕ ዝኸይድ ጅቕተት ዝጥዕም ድምጺ ጌርካ ይካየድ።

ኣብ እዋን ቅልውላው እትግልገለለን ማዕከናት ሓበሬታ

ኣብ እዋን ቅልውላው ምምሕዳር ከተማ ነቶም ኣብዚ ከተማ ዝሰርሑን ዝነብሩን ሰባት መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝጥቀመለን ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓበሬታ ኣለዋ።
ኣብ ዝኾነ እዋን እዋናዊ ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ kramfors.se ኣቲኹም ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ብመገዲ ናይቲ P4 ዝተሰምየ ኣገልግሎት ፈነወ ከባብያዊ ሬድዮ ብምክትታል ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። ኣብ ገለ-ገለ ኣጋጣሚታት እተን ኣብ ኢንተርነት ዝርከባ፡ ቴለቪዥን ሽወደን፡ ሚት-ኒዪት ከምኡ ውን ቲቪ 4-ሚት ውን ብተመሳሳሊ።

ኣገዳሲ ቊጽሪ-ስልኪታት

113 13

ሃገራዊ መስመር-ስልኪ ሓበሬታ ኣብ ሽወደን። ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዓበይቲ ሓደጋታትን ቅልውላዋትን ክኽሰቱ እንከለዉ ሓበሬታ ንምርካብ ክትድውለሉ እትኽእል ቊጽሪ። እቲ ዝተኸስተ ጸገም ወይ ሓደጋ፡ ሓያል መሽንቦባ፡ ለበዳ-እንፍሉወንዛ ወይ ውን ዕልቕልቕ ክኸውን ይኽእል። ሓበሬታ ክትህብ ምስእትደሊ ውን ናብ 113 13 ክትድውል ትኽእል።

0612-146 00

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣብ እዋን ቅልውላው ንዘሎ ምዕባሌታት ዝምልከት ብጽሑፍ ዝስደድ መልእኽቲ ዝለኣኸሉ ቊጽሪ ተለፎናት።

Andra viktiga telefonnummer för dig

114 14

ፖሊስ - ህጹጽ ዘይኮነ ጉዳያት

1177

ጥዕናዊ ምኽሪ

0612-108 28

ማእከል መዕቖቢ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ክራምፎሽ

11 61 11

ብሪስ - መሰል ህጻናት ኣብ ሕብረተ-ሰብ

08-702 16 80

ኹርሆቫንደ ሜድማኒሻ

90101

መስመር ኣገልግሎት ናይቶም ምስ ነፍሰ-ቕትለት ዝተተሓሕእዙ ጉዳያት
ንነፍሰ-ቅትለት ዝደፋፍእ ተሃዋሲ ኲነታት ክኽሰት እንከሎ 112 ደውል።

112

ኣብ ሽወደን ኣብ ህጹጽ ወይ ውን ንህይወት ዝፈታትን፡ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ኣከባብን ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል ነገራት ከጋጥም እንከሎ፡ እንድውለሉ ቊጽሪ። ህጹጽ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ ካብ ኣምቡላንስ ካብ ኣገልግሎት ድሕነት ካብ ፖሊስ ካብ ኣየር ካብ ባሕሪ ካብ ድሕነት ኣኽራን ካብ ካህን ወይ ካብ መርዛም ሓበሬታ ብህጹጽ ሓገዝ የድልየካ እዩ።

Hand skriver med en penna på ett litet block

ኣብ ወረቐት ከተስፍሮ ዘለካ ቊጽሪ-ስልኪ

ኣገዳሲ ዝኾነ ቊጽሪ-ስልኪ፡ ኣብ ግዜ ቅልውላው ብቐረባ ክርከብ ኣብ ዝኽእል ወረቐት፡ ኣቐዲምካ ጽሒፍካዮ ምጽናሕ ጽቡቕ እዩ። ኣገልግሎት ኢንተርነትን ሞባይልን ምስዘቋርጽ፡ ኣብ ወረቐት ጽሒፍካዮ ዝጸናሕካ ቊጽሪ-ስልኪ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል።

Uppdaterad: Sidansvarig: Lena Björn

ኣድራሻ

ክፍሊ ኣገልግሎት ዓማዊል
0612-800 00

ኣድራሻና ክትበጽሑና ምስእትደልዩ
Torggatan 2

ቊጽሪ ሳጹን-ፖስጣ
ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ
872 80 ክራምፎሽ

kommun@kramfors.se