Placeholder

ሓድሽ ኣብ ሽወደን

ናብ ሽወደንን ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ስለምንታይን ብኸመይን ናብዚ ምጻእ ብዘየገድስ፡ ደስታ እንዳተሰመዓና፡ ከም ዜጋን ግለ-ሰብን ናብዚ ቦታ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ንብለካ።
ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ፡ ኣብ ንእሽቶይ ከተማ እትጽበዮ ኣገልግሎትታት ዘዋደደን መሳጢ ዝኾነ ገጠራዊ ከባቢታት ዝሓቖፈን እዩ። ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ማእከል ከተማ ወይ ውን ውጽእ ኢልካ ኣብ ገጠር ናይ ምቕማጥ ኣማራጺታት ኣለካ። እቲ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣብ ጥቓ ጫካ፡ ጎቦታት፡ ቀላያትን ባሕርን ዝተደኮነ ብሉጽ ጅኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ዘለዎ እዩ። እቶም ኣብዚ ቦታ እንነብር ሰባት፡ ብቚጽሪ 18000 ኴና፡ ንስኻ ውን ሓደ ካባና ኢኻ።

ብዛዕባ ክራምፎሽ ዝያዳ ንምፍላጥ

ናብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ድሕሪ ምምጻእካ ዝገጥመካ ነገር፡ ሓድሽ ቋንቋን ሓድሽ ባህልን ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ቐንዲ ብድሆ፡ ምስቲ ሕብረተ-ሰብ ምውህሃድን ኣካሉ ምዃንን እዩ።


ስለዝኾነ ከኣ ኢና፡ ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣማጻእቲ ስራሕ፡ ምምሕዳር ዞባ፡ ቤት-ጽሕፈት ኢምግሬሽን ከምኡ ውን ካልኦት መንግስታዊ ኣብያተ-ጽሕፈታት ተሓባቢርና እንሰርሕ።

ንሕና እንገብሮ ነገራት?

ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ ንኹሎም ናብቲ ከተማ ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት፡ ኣብቲ ከተማ ንኽስርቱ፡ ቋንቋ ሽወደን ክመሃሩ፡ ርእሶም ዝኽእሉሉ መገዲ ክረኽቡ፡ ከምኡ ውን ተቛደስቲ ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ዝህቦ ኣገልግሎታት ክኾኑ ዘኽእሎም ማዕረ ዕድላት ንኽህቦም ይጽዕር።
እቲ ምስ ሓደስቲ ናብቲ ምምሕዳር ከተማ ዝመጹ ሰባት ዝተተሓሓዘ ዕማማትና ነዚ ዝስዕብ ትዂረት ዝሃበ እዩ፡

  • ገዛ ምስ ምርካብ ዝተተሓሓዘ ሓፈሻዊ ምኽሪ ምሃብ
  • ምውዳድ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ መውዓሊ-ህጻናት፡ ማእከል ክንክን ህጻናት ከምኡ ውን ካልእ ንህጻናትን ኮተቴን ማእከል ዝገበረ ንጥፈታትን።
  • ንኣባጽሕ ትዂረት ዝሃበ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደንን ካልእ ተመሳሳሊ ትምህርትን ምውዳድ።
  • ንሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዝምልከት ትምህርቲ ምእንጋድ።
  • ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ዝተፈላለየ ጻዕሪታት ምክያድ።
  • ካልኦት ማእከል ንጥፈታትን ኣገልግሎታትን ናይ ምምሕዳር ከተማ ንሓደስቲ ስደተኛታት ክፉታት ከምዝኾና ምርግጋጽ።

Uppdaterad: Sidansvarig: Lena Björn

ኣድራሻ

ክፍሊ ኣገልግሎት ዓማዊል
0612-800 00

ኣድራሻና ክትበጽሑና ምስእትደልዩ
Torggatan 2

ቊጽሪ ሳጹን-ፖስጣ
ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ
872 80 ክራምፎሽ

kommun@kramfors.se