Placeholder

ስራሕን ትምህርትን

ናብ ሽወደንን ምምሕዳር ከተማ ድሕሪ ምምጻእካ፡ ናብዚ ዝስዕብ ቦታ ከተብል ኣለካ
ኣብ ማእከል-ኣገልግሎት ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ ብምምጻእ External link.፡ ግላዊ መለለዪ-ቊጽሪ ንኽወሃበካ ከተመልክትን ኣብ መዝገብ ቆጸራ-ህዝቢ ሽወደን ክትምዝገብን ትኽእል። ግላዊ-መለለዪ ቊጽሪ ምስተዋህበካ፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኣማጻእቲ ስራሕ ከምኡ ውን ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ መድሕንን ክትምዝገብ ትኽእል። እቲ ማእከል ኣገልግሎት ንዝተፈላለየ ጉዳያት ዝምልከት ሓበሬታ ዝህብን ዝተፈላለዩ ቅጥዒታት ንምምላእ ውን ይሕግዘካ። ንኣብነት፡ ዕረፍቲ-ወላዲ፡ ዕረፍቲ ምእላይ ዝሓመመ ህጻን (vård av barn) መተካእታ ደሞዝ ኣብ እዋን ሕማም፡ ሓገዝ ክራይ ገዛ፡ ኣዋጅ ግብሪ፡ ምቕያር ኣድራሻ ድሕሪ ምግዓዝካ፡ ምዝገባ ቃል-ኪዳን፡ ንመርዓ ዝቕዕንቅፍ ነገር ንኸይህሉ ዝግበር ዳህሳስ፡ ምስ ምውላድ ህጻን ዝተተሓሓዘ ጉዳያት።
ንስኻ ወይ ውን ውላድካ ምስዝሓምም ናብ ማእከል ኣገልግሎት ክትከዱ ምስዘይትደልዩ፡ መተካእታ ደሞዝ ኣብ እዋን ሕማም ወይ ውን መተካእታ ደሞዝ ኣብ እዋን ምእላይ ዝሓመመ ህጻን ንኽወሃበኩም፡ ብኦንላይን ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ሓገዝ-ቈልዓ ምምልካት ዘየድልዮ ብኣውቶማቲክ ዝኽፈለካ ሓገዝ ኮይኑ፡ ህጻን ተወሊዱ ኣብ መዝገብ ቆጸራ-ህዝቢ ድሕሪ ምምዝጋቡን ግላዊ-መለለዪ ቊጽሪ ድሕሪ ምውሳዱን ኣብ ዘላ እትቕጽል ወርሒ ይኽፈለካ።

Uppdaterad: Sidansvarig: Lena Björn

ኣድራሻ

ክፍሊ ኣገልግሎት ዓማዊል
0612-800 00

ኣድራሻና ክትበጽሑና ምስእትደልዩ
Torggatan 2

ቊጽሪ ሳጹን-ፖስጣ
ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ
872 80 ክራምፎሽ

kommun@kramfors.se