Placeholder

መናበሪ ዝኸውን ገንዘባዊ-ሓገዝ

መናበሪ ዝኸውን ገንዘባዊ-ሓገዝ ቅምዲ ምምልካትካ

መናበሪ ዝኸውን ገንዘባዊ-ሓገዝ ንኽወሃበካ ብመጀመርያ ነብስኻ ንምኽኣል ዝከኣለካ ዝገበርካ ክትከውን ኣለካ። ምሳኻ ዝነብር መጻምዲ ምስዝህልወካ፡ ምርዑው ምስእትኸውን ወይ ውን ዝተመዝገመ መጻምዲ ምስዝህልወካ፡ ብመጀመርያ ብቑጠባ ነንሕድሕድኩም ተሓጋጊዝኩም ክትነብሩ ክትፍትኑ ኣለኩም። ኣብ ባንኪ ዝተቐመጠ ገንዘብ ኣክስዮን ወይ ውን ርሾ ምስዝህልወካ፡ ብመጀመርያ ነዚ ገንዘብ`ዚ ከም መናበሪ ክትጥቀመሉ ኣለካ። ካልእ ከም ጃልባ፡ ሞቶር-ብሽክለታ፡ መናፈሲ-ገዛ ዝኣመሰለ ዋኒን ምስዝህልወካ፡ ነዚታት ሼጥካ በቲ ገንዘብ ክትናበር ክትፍትን ኣለካ።
ኩሉ`ቲ ዝግበኣካ ዓይነት ሓገዛት ንኽወሃበካ ከተመልክተሉ ኣለካ። ንኣብነት፡ ሓገዝ ክራይ-ገዛ፡ ገንዘብ-ጡረታ፡ መተካእታ ደሞዝ ኣብ እዋን ሕማም፡ መተካእታ ደሞዝ ዕረፍቲ-ወላዲ ከምኡ ውን ናይ ኣቦ-ሓገዝ። ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ሓገዛት ብኸመይ ከተመልክተሎም ከምእትኽእል ሓበሬታ ንምርካብ፡ ንቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ መድሕን ክትውከስ ትኽእል።

እዚ ዝስዕብ ውን ክትገብር ኣለካ፡

መተካእታ ደሞዝ ኣብ እዋን ሽቕለት-ኣልቦነት ዝግበኣካ ምስዝኸውን ክትሓትት ኣለካ።

ባዕልኻ ስራሕ ምምልካትን፡ ናብ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ጸብጻብ ዘመልከትካዮ ስርሓት ምእታውን።

ንመውዓሊ-ህጻናት ወይ ውን ኣገልግሎት ክንክን ዓበይቲ እትኸፍሎ ገንዘብ ምስዝህልወካ፡ ንዝምልከቶም ወገናት ተወኪስካ እቲ እትኸፍሎ መጠን ገንዘብ ምስ ዘለኻዮ ኲነታት ኣታዊ ዝመጣጠን ምዃኑ ምርግጋጽ።

ተመሃራይ ምስእትኸውን ወይ ውን ናይ ባዕልኻ ትካል ምስዝህልወካ፡ ኣዝዩ ፍሉይ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኲነታት ጥራይ ኢኻ፡ መናበሪ ዝኸውን ገንዘባዊ-ሓገዝ ክወሃበካ ዝኽእል።

ክትሰርሕ ዘይትኽእል ምስእትኸውን፡ ሓኪም ዝጸሓፎ ምስክርነት ወረቐት ከተርኢ ምኽኣል።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ክራምፎሽ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ኣማጻእቲ ስራሕ ከም ደላዪ-ስራሕ ብምምዝጋብ ስራሕ ብንጥፈት ትደሊ ምህላውካ ከተርኢ ኣለካ። መናበሪ ዝኸውን ገንዘባዊ-ሓገዝ ቅድሚ ምምልካትካ ከተማልኦ ዝግበኣካ ነገራት።

ብመገዲ ኢንተርነት ከተመልክት ምስእትደሊ

En hand som håller i en mobiltelefon, en laptop i bakgrunden

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ፡ External link. ኣብቲ ባዕልኻ እትግልገለሉ ገጻት፡ ዝበዝሑ በቲ ምምሕዳር ከተማ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ኣብኡ ሰፊሮም ትረኽቦም። ኣብዚ ገጻ`ዚ፡ ከም ግለ-ሰብ ወይ ውን ከም ወናኒ-ትካል ምስ ምምሕዳር ከተማ ክትራኸብን ብክፉት ሰዓታት ኣገልግሎት ምምሕዳር ከተማ ከይተደረትካ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ጉዳያትካ ከተሳልጥ ትኽእል። እቲ እትሕተቶ ሓበሬታ ብምምላእ ከኣ፡ ጉዳይካ ብመገዲ መርበብ-ሓበሬታ ኣቢልካ ናባና ከምዝለኣኽ ትገብር። ከተመልክት እንከለኻ፡ ኣድላዪ ዝኾነ ተወሳኺ ሰነዳት ኣብቲ ገጽ ክትጽዕኖ ትኽእል።

Uppdaterad: Sidansvarig: Lena Björn

ኣድራሻ

ክፍሊ ኣገልግሎት ዓማዊል
0612-800 00

ኣድራሻና ክትበጽሑና ምስእትደልዩ
Torggatan 2

ቊጽሪ ሳጹን-ፖስጣ
ምምሕዳር ከተማ ክራምፎሽ
872 80 ክራምፎሽ

kommun@kramfors.se